Tigrinja: ኣብዚ ገዛውቲ ሓድሽ ዲኻ፧
ጓሓፍ እብ ሪንግሳከር፣ሃማር፣ስታንገን ሎተን ኮሙነን ከመይ ጌርካ ከምትተሓሓዞ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ Sirukla IKS(ሲርኩላ ኢኮአስ) ጓሓፍካ ዝኣልዩልካ ትካል ብምምዝጋብካ እንቋዕ ኣብቅዐካ ክንብለካ ንፈቱ። ዝድርበ ጓሓፍ ሓድሽ ነገራት ንምፍራይ ክንጥቀመሉ ንኽእል። ብኸምኡ ኢና ብዝተኻእለና መጠን ንፈላልዮ። ንኣብነት ዝተጓሕፈ ወረቐት ከም ብሓድሽ ወረቐት ክስራሕ ይኽእል፣ ጥርሙዝ መልመላታ ከም ብሓድሽ ጥርሙዝ ክስራሕ ይከኣል፣ ታኒካ ሓጺን ከኣ ሓድሽ ታኒካ ሓጺን ወይ ንኣብነት ብሽግለታ ክትከውን ትኽእል። ነዚ ጸጋታት ኣብ ጓሓፍ መሊሽና ክንጥቀመሉ እንተክኢልና ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥረነገራት ብምቑጣብ ንዓናን ንዝመጽእ ወለዶታትን ክንጥቀመሉ ንኽእል።
ኣብ ሪንሳከር፣ሃማር፣ስታንገን ሎተን ኮሙነ ኣተሓሕዛ/ኣተኣላልያ ጓሓፍ ንኩሉ ገዛውቲ ሓደ እዩ፣ ነዚ ዝገብርዎ ከኣ ሲርኩላ እዮም። ነፍስ ወከፍ ቤት ዓመታዊ ሓንሳብ ክፍሊት ጓሓፍ ትኸፍል፣ እዚ ከኣ እዚ ዝስዕብ የጠቓልል፣
ካብ ገዛ ጓሓፍ ምውሳድ
ካብ ገዛኻ ሓሙሽተ ዓይነት ጓሓፍ ንወስድ: መግቢ፣ ፕላስቲክ፣ ወረቐት፣ ተረፍ መረፍ፣ መዕሸጊ ብጥርሙዝ/ብሓጺን ዝተሰርሐ
ኣብ ገዛኻ ዝርከበሉ ቦታ ነዚ ዝኸውን ዝተፈላለየ ባጎኒታት ክህሉ ኣሎዎ። እዚ ባጎኒታት ብሲርኩላ ይውነንን ይጽገንን፣ ምስቲ ትቕመጠሉ ዓይነት ቤት ዝኸይድ እዩ ድማ። ኣብ ቡረትስላግ፣ ህንጻ ወይ ተመሳሳሊ ንዝቕመጡ ናይ ሓባር ባጎኒታት ክህልዎም ይኽእል።
እተን ልሙዳት ባጎኒታት መኽደኒአን ከከም ዓይነት ጓሓፍ ዝተፈላለየ ሕብርታት ኣለወን። ዓቢ ፌስታል ውን ኣሎ ፕላስቲክ ተረክበሉ።
አነቡሊግ(ቪላ) ዝዓይነቱ ገዛ ኣርባዕተ ባጎኒታትን ሓደ ዓቢ ፌስታል እዩ ዘለዎ።
ባጎኒታትን ዓቢ ፌስታልን ትሕዝቶኡ ዝውሰደሉ መዓልታት ብዝሕታቱ ይፈላለ እዩ፣
- ዝጓሓፍ መግቢ( ቡናዊ መኽደኒ) ኣብ ከክልተ ሰሙን ይውሰድ።
- ፕላስቲክ ( ግሉጽ ፌስታል)፣ ወረቐት( ሰምያዊ መኽደኒ) ተረፍ መረፍን (ሓሙኽሽታዊ መኽደኒ) ኣብ 4 ሰሙን ይወሰድ።
- ብጥርሙዝን ሓጺንን ዝተሰርሐ ከኣ ኣብ 8 ሳምንታት ይውሰድ።
እዚ ዝተፈላለየ ባጎኒታት ትሕዝቶኡ ዝውስደሉ መዓልታት ኣብ Tømmekalenderen( ጓሓፍ ዝውሰደሉ ካለንደር) ኣብዚ ክትርኢ ትኽእል - www.sirkula.no
ባጎኒታት/ዓቢፌስታል ትሕዝቶኡ ክውሰድ ምሸት ድሮ ዝውሰደሉ መዓልቲ ተቐሪቡ ይጸንሕ።
ዝጓሓፍ መግቢ ኣብ ናይ በይኑ ቡናዊ ፌስታላት ይኣቱ ቅድሚ ኣብ ባጎኒ ምድርባዩ። ነቲ ፌስታል ጽቡቕ ጌርካ ክትኣስሮ ከምዘለካ ኣይትረስዕ።
ሓደስቲ ፌስታላት ንመግቢ ወይ ጎሞታት ከመይ ጌርካ ከምትረክብ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።
ንፕላስቲክ ሞግሓፊ ዓበይቲ ፌስታላት ክውደኣካ ከሎ፣ ኣብቲ ባጎኒ ጥርሓ ዝኾነት ፌስታል እሰር እሞ ቅድሚ ጓሓፍ ምውሳዶም፣ ሽዑ ሓድሽ ጥቕላል ዓበይቲ ፌስታላት ክገድፉልካ እዮም። ( ናይ ድኳን ኖርማል ፌስታል ወይ ካልእ ዓይነት ፌስታል ብጎማ ዝተሰርሐ ተጠቐም)። ሰራሕተኛ ጓሓፍ ሽዑ ጓሓፍ ክወስዶ ክመጽእ ከሎ ሓደስቲ ዓበይቲ ፌስታላት ይዕድለኩም። ምስ ተዋህበካ ከኣ እታ ዝኣሰርካያ ፌስታል ክትኣልያ ከምዘለካ ኣይትረስዓዮ።
ቡናዊ ፌስታላት ሞግሓፊ መግቢ ክውደኣካ ከሎ ኸኣ ቅድሚ ጓሓፍ ምውሳዶም ኣብቲ ባጎኒ ቡናዊ ናይ መግቢ ፊስታል እሰረላ እሞ ሽዑ ሓደስቲ ክገድፉልካ እዮም።
ብጀካ እዚ ውን ኣብ ነቑጣ ጓሓፍ፣ ኣብ ናይ ኮሙነ ቤት ጽሕፈት ሰርቪስን ንፕላስቲክን መግብን ዝኸውን መጉሓፊ ፌስታላት ይወሃበካ እዩ።
ነቑጣታት ጓሓፍ(የንቪኒንግስ-ስታሹን)
ኣብ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ነቑጣታት ጓሓፍ ክፉት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝኾነ ዓይነት ጓሓፍ ከተረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ብጀካ ዝጓሓፍ መግቢ። ብፍላይ ሓደገኛ ትሕዝቶ ዘለዎ ጓሓፍ ጥዕናናን ኣከባቢናን ከይህሲ ምእንታን ኣብ ነቑጣ ጓሓፍ ክተብጽሖ ኣገዳሲ እዩ። ሓደገኛ ጓሓፍ ክበሃል ከሎ ንኣብነት ከም በዓል ባተሪ፣ ኣምፑላት፣ ቀለም፣ ዕትሮ ጋዝ፣ ዘይቲ፣ ቀመማትጸረ-ሓሳኻን ጻህያይን፣ ሞባይላት፣ ኳሬንቲታት፣ አለክትሮኒክን ካልእ ፍርያትን አለክትሪክ።
ሓደገኛ ጓሓፍ ንምጕሓፍ፡ ነቲ ቐይሕ ፌስታል ተጠቐም።
ብሕታዊ ገዛታት ኣብ ነቑጣ ጓሓፍ ክጉሕፋ ዝኾነ ተወሳኺ ገንዘብ ኣይከፍላን እየን፣ ብጀካ ዝጓሓፍ ተረፍ መረፍ። ኣብ sirkula.no ኣቲኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኽፍሊት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ነቝጣ ጓሓፍ፡ ንመጕሓፊ ተረፍ መረፍ ዚኸውን ግሉጽ ፌስታል ተጠቐም። ከምዚ ዓይነት ፌስታላት፡ ኣብ ድኳናት ወይ ኣብ ሲርኩላ ክትዕድጎ ትኽእል ኢኻ።
ክትከዶ ትኽእል ቦታታት፣
Kretsløpsparken gjenvinningsstasjon, Arnkvernvegen 169, Hamar/Furnes
Brumunddal gjenvinningsstasjon, Jemtlandsvegen 11, Brumunddal
Moelv gjenvinningsstasjon, Industrivegen 14, Moelv
Stange gjenvinningsstasjon, Hansrudvegen 1, Stange
Heggvin gjenvinningsstasjon og avfallsanlegg, Arnsetvegen 41, Vang på Hedmarken
Sirkula administrasjon, Arnkvernvegen 169, Hamar/Furnes
ነቑጣታት ጓሓፍ ዝኽፈተሉ ግዜታት ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል፣ www.sirkula.no
ጓሓፍ ብምፍልላይኩም ነመስግን !
ኣብዚ ኣቲኻ ጓሓፍ ንምፍልላይ ሓገዝ ርከብ www.sirkula.no
ኣብዚ መፈላለዪ ጓሓፍ ሊስታ ን 2018 እንሀለ.pdf
Min Renovasjon ትብል ኣፕሊከሽን ጽዒንካ ጓሓፍ ዝውሰደሉ መዓልታት ኣቐዲሙ ክምዝሕበረካ ግበር። (IOS - Android)
Sirkula IKS
ኣድራሻ: Postboks 3, 2301 Hamar
ተለፎን: 62 54 37 00
ኢመይል: post@sirkula.no
ወብሳይት: www.sirkula.no